Home » News & Politics » ራድዮ ስምረት ፈነወ ትግርኛ 22 ግንቦት 2018 *** Radio Simret Tigrigna Broadcast 22 May 2018

ራድዮ ስምረት ፈነወ ትግርኛ 22 ግንቦት 2018 *** Radio Simret Tigrigna Broadcast 22 May 2018

Written By Radio Simret on Tuesday, May 22, 2018 | 09:02 AM

 
ራድዮ ስምረት; ብሓልዮት ክፍሊ ዜናን ባህልን ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ዝፍኖ ናይ ራድዮ መደብ እዩ። ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር; ህግደፋዊ ወጽዓ ዝመረሮም; ብህዝባዊ ፍቅሪ ልቦም ዝነደደ; ኤርትራዊ ሕልንኦምን ሓበነሙን ዘይነጸፈ; ሃገራዊ ህዝባዊ ደሞክራሳዊ ምንቅስቃስ እዩ። ዕላማ ስምረት; ነቲ ብዘይ ፍቃድ ህዝቢ ኣብ ዝባን ምልኪ ተቀሚጡ ዘሎ ዓማጺ ጉጅለ; ካብቲ ገቢትዎ ዘሎ ስልጣን ክወርድ። እቲ ስልጣን ናብቲ ዋንኡ ዝኾ ህዝቢ ከም ዝምለስ ምግባር። ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ዜጋ ዘሳትፍ ብቁዋም ዝምራሕ መንግስቲ ህዝቢ ብህዝቢ ክትከል ምግባር። መብጽዓ ሰማእታት ዝኾነ ዕላማ ምህናጽ ሓራን ደሞክራሳዊትን ምዕብልቲ ሃገረ ኤርትራ ክዉን ምግባር እዩ። ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ; ኤርትራዊ ክብረትን መንነትን ክዕቀብን ክቅጽልን ምስራሕ እዩ።